ኣገልግሎታት

፩ ምርመራ ስኒ /ኣስናን

ኣብዚ ደጋውን ውሽጣውን ምርመራ ኣፍን ተዛመድቲ ኣካላቱን ይገብር።

፪ ምሕፃብ(ምፅራይ ስኒ)

ብሰንኪ ምውህላል ፀፀር ስኒ ንዝፍጠር ምድማይን ምቑጣዕን ግርፃን ንምሕካም ዝግበር ሕክምና እዩ።

፫ ምምላእ ስኒ

ብምክንያት ባክተርያዊ ምብስባስ (ምብላዕ) ስንን ፣ ብስብራት ስኒ ንዝፍጠር ሓጓፍ/ነኻል/ ጐደሎታት ስኒ መሊስካ ናብ ንቡር ቅርፂ ንምምላስ ዝግበር ፅገና እዩ። ነዚ ድማ ከም
- ኣምልጋም(ሓጭን)
- ግላስ አዮኖመር
-ኮምፖዚት ዝኣምሰሉ ጥረ ኣቕሓታት ንጥቀም

፬ ራድዩግራፊ(ራጂ ስኒ)

ብዓይኒ ዘይረኣዩ ኣካላት ስኒ ከም ሕክምና ሱር ስኒ፥ኣብ ዙርያ ስኒ ዘለዉ ዓፅምን ግርፃንን ንምንፃር ንጥቀመሉ።

፭ ምዕራይ ዝተመዛበሉ ኣስናን(ብሬስ)

ካብ ታሕተዋይ ዕድመ (12 ዓመት) ጀሚሩ ንዘለዉ ዝግበር ምዕራይ ንዝተማዛበሉ ኣስናን ተታሓሓዝቲ ኣካላቱን እዩ።

፮ ሕክምና ሱር ስኒ

ብባክተርያን ዝተበለዐ(ዝበስበሰ) ውሽጣዊ ኣካል ሻንቡቆ ስኒ ተሓኪሙን ተፀሪጉን ኣድላይ ፅገና ዝግበረሉ ዓይነት ሕክምና እዩ።

፯ ክራውንስ & ብሪጅስ

ብሰብ ሰራሕ ስኒ ዝጐደለ (ዘየለ) ስኒ ናይ ምትካእ (ምክሕሓስ) ስራሕ እዩ። ነዚ ድማ
-ብዚርኮንያ
-ብሴራሚክ
-ብቡሩራዊ ሓጭን
-ብኣክሪሌክን ወርቂን ዝኣመሰሉን እዮም።

፰ ምፅዕዳዉ ስኒ

ኣሲድ(37%) ተጠቂምና ኣብ ክሊንክና ብባዓል ሞያ ዝግበር ብሽጋራ፣ቡና፣ሕብራዊ ምግቢ ብምዝውታር ንዝመፅእ ምድባን ስኒ ዝግበር ሕፅቦ ስኒ እዩ።

፱ ምስዳድ ስኒ

ተሓኪሙ፣ተፀጊኑ ክፀንሕ ንዘይክእል ስኒ ካብ ቃንዛን ሕማምን ንምድሓን ዝግበር ጠቕሊልካ ዝውገድ ስኒ እዩ።

ሕክምናታት

ፍሉይ ሕክምና ስኒ ፍሽኽታ ብሰፊሑ ዝህቦም ኣገልግሎታት:

  • ፩ ምርመራ ስኒ /ኣስናን
  • ፪ ምሕፃብ(ምፅራይ ስኒ)
  • ፫ ምምላእ ስኒ
  • ፭ ምዕራይ ዝተመዛበሉ ኣስናን(ብሬስ)
  • ፮ ሕክምና ሱር ስኒ
  • ፯ ክራውንስ & ብሪጅስ
  • ፰ ምፅዕዳዉ ስኒ
  • ፱ ምስዳድ ስኒ

How can you reach us?