፩ ምርመራ ስኒ /ኣስናን
ኣብዚ ደጋውን ውሽጣውን ምርመራ ኣፍን ተዛመድቲ ኣካላቱን ይገብር።
፪ ምሕፃብ(ምፅራይ ስኒ)
ብሰንኪ ምውህላል ፀፀር ስኒ ንዝፍጠር ምድማይን ምቑጣዕን ግርፃን ንምሕካም ዝግበር ሕክምና እዩ።
፫ ምምላእ ስኒ
ብምክንያት ባክተርያዊ ምብስባስ (ምብላዕ) ስንን ፣ ብስብራት ስኒ ንዝፍጠር ሓጓፍ/ነኻል/ ጐደሎታት ስኒ መሊስካ ናብ ንቡር ቅርፂ ንምምላስ ዝግበር ፅገና እዩ። ነዚ ድማ ከም
- ኣምልጋም(ሓጭን)
- ግላስ አዮኖመር
-ኮምፖዚት ዝኣምሰሉ ጥረ ኣቕሓታት ንጥቀም
፬ ራድዩግራፊ(ራጂ ስኒ)
ብዓይኒ ዘይረኣዩ ኣካላት ስኒ ከም ሕክምና ሱር ስኒ፥ኣብ ዙርያ ስኒ ዘለዉ ዓፅምን ግርፃንን ንምንፃር ንጥቀመሉ።
፭ ምዕራይ ዝተመዛበሉ ኣስናን(ብሬስ)
ካብ ታሕተዋይ ዕድመ (12 ዓመት) ጀሚሩ ንዘለዉ ዝግበር ምዕራይ ንዝተማዛበሉ ኣስናን ተታሓሓዝቲ ኣካላቱን እዩ።
፮ ሕክምና ሱር ስኒ
ብባክተርያን ዝተበለዐ(ዝበስበሰ) ውሽጣዊ ኣካል ሻንቡቆ ስኒ ተሓኪሙን ተፀሪጉን ኣድላይ ፅገና ዝግበረሉ ዓይነት ሕክምና እዩ።
፯ ክራውንስ & ብሪጅስ
ብሰብ ሰራሕ ስኒ ዝጐደለ (ዘየለ) ስኒ ናይ ምትካእ (ምክሕሓስ) ስራሕ እዩ። ነዚ ድማ
-ብዚርኮንያ
-ብሴራሚክ
-ብቡሩራዊ ሓጭን
-ብኣክሪሌክን ወርቂን ዝኣመሰሉን እዮም።
፰ ምፅዕዳዉ ስኒ
ኣሲድ(37%) ተጠቂምና ኣብ ክሊንክና ብባዓል ሞያ ዝግበር ብሽጋራ፣ቡና፣ሕብራዊ ምግቢ ብምዝውታር ንዝመፅእ ምድባን ስኒ ዝግበር ሕፅቦ ስኒ እዩ።
፱ ምስዳድ ስኒ
ተሓኪሙ፣ተፀጊኑ ክፀንሕ ንዘይክእል ስኒ ካብ ቃንዛን ሕማምን ንምድሓን ዝግበር ጠቕሊልካ ዝውገድ ስኒ እዩ።
How can you reach us?